06/04/2026
ኣበይ ኣሎ እቲ ወርቂ? ብስም ህዝቢ ዝተዘረፈ ሃብቲ ይገምገም! 💰
♨️ክንደይ ኪሎ ወርቂ ኣሎ? ተባሂሉ ሪፖርት ዝግበረሉ ዝነበረ ግዜ ሓሊፉ ሎሚ ግን "እቲ ሃብቲ ኣበይ ኣሎ?" ዝብል ሕቶ መልሲ ስኢኑ ይርከብ። እቲ ካብ ዲያስፖራ ዝተኣከበ ቢልዮናት ዶላራትን ወርቅን ኣበይ ኣተወ?
♨️ብማንጆሪኖ ሎጂስቲክስ ኣቢሉ ናብ ሱዳን፣ ካብኡ ድማ ናብ ዓድዋ ከምዝተወሰደ ይንገር። ዝገረም ነገር ግን እቲ ብነፋሪት ተጻዒኑ ዝወጸ ወርቂ ንህዝቢ ትግራይ ዘይኮነስ፣ ውሑዳት ሰበ-ስልጣን ኣብ ዝደለይዎ ሃገር ብሰላም ንምንባር ተጠቒሞሙሉ እዮም። ገምጋም ዘይግበረሉ ምኽንያት ድማ ሓደ ጥራይ እዩ እቲ ሃብቲ ከምዝጠፈአ ስለዝፈልጡን መልሲ ስለዘይብሎምን እዩ!
♨️ ህዝቢ ትግራይ ንዝተዘረፈ ሃብቱ ክሓትት ይግባእ። ስርቂ ብሽፋን ገምጋም ክሕባእ ኣይክእልን!