15/07/2026
ኣብ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ኣብ ዘበነ ምህርቲ 2018/19 ዝላዓለ ምህርቲ ንምሕፋስ ይስራሕ ከም ዘሎ ተገሊፁ።
ኣብ ክላስተር ጣብያ ለምለም ብመከናዜሽንን እንስሳን ኣብ ምዝራእ ምስ ዝርከቡ ሓረስቶት ዝተረኽቡ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ዘፈር ልምዓት ቁጠባ ዞባ ሰ/ምዕራብ ኣይተ ክብሮም ብስራት ከም ዝበልዎ፣ ኣብዚ ዓመት ከም ዞባ ዝናብ ዘንጊዑ ዝጀመረ ክራማት ብምዃኑ፣ ኣብ ሓረስታይና ዓብይ ስክፍታታት ዝፈጠረ ወቅቲ ከምዝነበረ ብምሕባር ኣብቲ ዝተረክበ ዝናብ ግን ኩሉ ሓረስታይ እታዎታት ሙሩፅ ዘርእን መዳበርያን በቲ ዝተዋሃቦም ናይ ሰብ ሞያ ድጋፍን ኣስተምህሮን ተጠቂሞም ዓርሰ ሙርኮሳ ንምርግጋፅ ኣብ ሃይሃይታ ማሕረስ ከምዝርከቡ ገሊፆም።
ኣብ ቤት ፅሕፈት ዘፈር ልምዓት ቁጠባ ወረዳ ታ/ኣድያቦ መተ/ከ/ስ/ዘራእትን ሆልቲካልቸርን ኣይተ ተኽለሃይማኖት ገብሩ ብወገኖም ሓረስታይ ናይ ተግባር ሰልጠና መሰረት ብምግባር እታዎታት ብኣግባቡ እናተጠቐሙን ብመስመር በቢ ክላስተሩ ብኩታ ገጠም ብበዓል ሞያ እውን እናተሓገዙ ይዘርኡ ምህላዎም ድሕሪ ምግላፅ ከም ወረዳ 15 ሽሕን 8 ሚኢትን 56 ሄክታር መሬት ብክላስተር ሰሊጥን መሸላን ንምዝራእ ትልሚ ተታሒዙ፣ ኣብ 36 ሽሕን 8 ሚኢትን ሄክታር ተሓራሲ መሬት ሙሉእ ብሙሉእ ዘራእቲ ብምሽፋን ልዕሊ 1 ሚልዮን ኩንታል ምህርቲ ንምሕፋስ ይስራሕ ምህላዉ ገሊፆም።
ዘዘራረብናዮም ሓረስቶት ክላስተር ብወገኖም ብናይ DRDIP-2 ዝተወሃቦሞ ሞያዊ ስልጠናንን እታዎታት ዘራእትን ተጠቂሞም ብክላስተር ተወዲቦም ብመስመር ብምዝረኦም ብዙሕ ረብሓን ምህርትን ከምዝረክቡ ተስፈኦም ተዛሪቦም።
ሓበሬታን ርክብን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ
08 ሓምለ 2018 ዓ.ም