12/06/2026
ትማሊ መቐለ ዝኣተዉ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪካ ኦሉሴጉን ኦባሳንጆ፣ ምስ መሪሕነት ህወሓት ድሕሪ ዘካየድዎ ዝርርብ ዘንጸባረቕዎ መርገጺ፡ ኣልጀዚራ ዘቕረቦ ዕምቈት ዘለዎ ትንታነ ዘጠናኽር እዩ። ሓቂ ተጋሊጻ እያ፤ ዓለም ነቲ ናይቲ ጉጅለ ናይ ጥፍኣት መገዲ ትዕዘቦ ኣላ። ህወሓት ነቶም መንእሰያት ትግራይ ንግዲ ወተሃደራዊ ግዴታ ብምስሓብ፡ ነቲ ክልል ናብ ጸልማት ስርዓት ይቕይሮ ኣሎ። እዚ ንናጽነት ዝተገበረ ዝመስል፡ ነገር ግን ንህዝቢ ንዕልቂት ዝዕድም “ናይ ናጽነት ስም ዝተሰከመ መከራ” ምዃኑ ብግልጺ ክንነግሮ ይግባእ።
ህወሓት “መንግስቲ ነቲ ስምምዕ ኣይሓለወን” ብምባል ሲነዝዎ ዝጸንሑ ናይ ሓሶት ወረ፡ ብምስክርነት ሕብረት ኣፍሪካን ኣልጀዚራን ከም ዝፈሸለ ተገሊጹ እዩ። ብኣንጻሩ ግን፡ ኣጽዋር ንምፍታሕ ፍቓደኛ ዘይኮነን ንዳግማይ ኲናት ዝዳሎ ዘሎን እቲ ጉጅለ ባዕሉ ምዃኑ ዓለም ፈሊጣቶ እያ። ኣብ ኢትዮጵያ ግጭት ክቕጽል ምድላይ፡ ብቀጥታ ድልየት ሻዕብያ ናይ ምምላእ እዩ። እቶም ውሽጣዊ ኣዕናውቲ ንኣጀንዳ ናይ ደገ ሓይልታት መሳርሒ ይኾኑ ምህላዎም ኦባሳንጆ ብግልጺ ኣፍሊጦም እዮም።